Almeda Textile plc

Almeda Textile plc Almeda textile factory is a promising factory please take a visit .

ክፍት የጨረታ ምልክታ
24/04/2026

ክፍት የጨረታ ምልክታ

ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ሲነርጅን ፓርትነርሺፕን ዘድሃበ ስልጠና ተሳሊጡ። እቲ ስልጠና ኣብ ህልዊ ኩነታት፣ ተኣሳሲርካን ተላፊንካን ኣብ ምስራሕ ዘለዎ ረብሓ ንክግንዘቡን ቐፃሊ ፀገም እቲ ት...
23/04/2026

ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ሲነርጅን ፓርትነርሺፕን ዘድሃበ ስልጠና ተሳሊጡ።

እቲ ስልጠና ኣብ ህልዊ ኩነታት፣ ተኣሳሲርካን ተላፊንካን ኣብ ምስራሕ ዘለዎ ረብሓ ንክግንዘቡን ቐፃሊ ፀገም እቲ ትካል ንምቕራፍ ውሽጦም ንኽፍትሹን ዝሕግዝ ምዃኑ ካብ 13 ክሳብ 14 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ ስልጠና ዝተሳተፉ ማእኸላይን ላዕለዋይን ኣመራርሓ ስራሕ ሓቢሮም።

እቶም ኣመራርሓ ተላፊንካን ተዋዲድካን ምስራሕ ብፍላይ ኣልመዳ ካብ ዕንወት ናብ ሕውየትን ዕብየትን ንምስግጋር ዘኽእል መማረፂ ዘይብሉ መዋፅኢ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት ብቕልጡፍ ኣሰራርሓ ዘርጊሑ ናብ ተግባር ከሰጋግረና አለዎ እሎም እቶም ሰልጠንቲ ።

ዘሐጉስ ዜና   ትካል ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ምህርቱ ናብ ተጠቀምቲ ቕርበሉ ሓዱሽ መሸጢ ዱንኳን( Sales shop) ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ኣመሪቑ ከፊቱ።ናይቲ መሸጢ ዱንኳን (sales s...
12/04/2026

ዘሐጉስ ዜና
ትካል ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ምህርቱ ናብ ተጠቀምቲ ቕርበሉ ሓዱሽ መሸጢ ዱንኳን( Sales shop) ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ኣመሪቑ ከፊቱ።
ናይቲ መሸጢ ዱንኳን (sales shop) ምኽፋት ስነ ስርዓት ሰማእታት ብምዝካር ዝተጀመረ ኾይኑ፤
ነቲ ሓዱሽ ሾፕ መሪቖም ዝኸፈቱ ም/ስ/መካየዲ ምህርቲ ኣልመዳ ኣይተ ኣረጋዊ ግርማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ...

እዚ ዝተኸፈተ ሓዱሽ ዱንኳን ኣካል እቶም ኣልመዳ
ንምሕዋይ ዝግበሩ ዘለው ፃዕርታት ኾይኑ ናብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ዝቕፅል እዩ ኢሎም።
ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ በቲ ዘለዎ ውሱን ዓቕሚ ተበፃሕነቱ ናብ መላእ ትግራይ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ከተማ ሽረ ንነጋዳይ ሙሉእ ውክልና ሂቡ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ከተማ ኣክሱም እውን ውክልና ሂቡ ስራሕ ንምጅማር ውዕል ስምምዕ ኣብ ምፍፃምን ምህርቲ ኣብ ምድላውን ይርከብ።
ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ፅንዓት ተወዲኡ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ውክልና ንምሃብን ናይ ባዕሉ መሸጢ ሾፕ ንምኽፋትን ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ።
ኣብዚ ሎሚ ዝተኸፈተ ናይ ኣልመዳ ምህርቲ መሸጢ
ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ምህርትታ ቀሪቦም ብተጠቀምቲ ዝለዓለ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኮይኖም ዓደግቲ ንምግዛእ ካብ ዝነበሮም ድሌት ብዙሕ ምፅቕቓጥ ን ምድፍፋእን ተዓዚብና ኢና።
ኣልመዳ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበርዎ ምህርትታት ብፅሬትን ብዋጋን ዝሐሸ ምህርቲ ሒዙ ንበዓል ትንሳኤ ዓብይ ብስራት ኮይኑ እዩ።
ካናቲራ
ፖሎ ቲሸርት (በዓል ኳሌታ)
ሸሚዝ
ፒጃማ
ፓክኣውት
ቁምጣን ካናቲራን
ህዝቢ ከተማና
ናይ ዓበይቲ ናይ ቆልዑ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዝተፈላለዩ ሕብርን መጠንን ሒዙ ቀሪቡ ተጠቃማይ ብዝሓሸ ፅሬትን ዋጋን ፍርያት ኣልመዳ እናገዝአ ይርከብ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናይ ኣንሶላን ጅንስን ካልኦትን ምህርትታት ክጅምር እዩ።
ሰናይ በዓል ትንሳኤ....!!

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ

27/03/2026
ፋብሪካ ኣልመዳ ጨርቃጨርቅ  ንመናጅመንትን ሰራሕተኛን ኣብ ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ (Trauma):ንስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ ከቃልዑና ዝኽእሉ ምኽንያታትን:ብጠቅላላ አብ ስነ ልቦናዊ ሕውየት አድህቡ...
03/02/2026

ፋብሪካ ኣልመዳ ጨርቃጨርቅ ንመናጅመንትን ሰራሕተኛን ኣብ ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ (Trauma):ንስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ ከቃልዑና ዝኽእሉ ምኽንያታትን:ብጠቅላላ አብ ስነ ልቦናዊ ሕውየት አድህቡ ንክልተ መዓልቲ ካብ ጥሪ 21-22 ,2018 ዓ.ም ብኣኽሱም ዪንበርስቲ ስልጠና ተዋህቡ።

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ሰፊሕ መኸተ ኣንበጣ***************************************አልመዳ አብ መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ናይ እጃሙ ሓላፍነት ይዋፃእ ኣሎ።  ላዕለዎት ኣመ...
28/10/2020

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ሰፊሕ መኸተ ኣንበጣ
***************************************

አልመዳ አብ መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ናይ እጃሙ ሓላፍነት ይዋፃእ ኣሎ።
ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣልመዳ ኣብ ክልልና ኣጋጢሙ ብዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከም ወትሩ ማሕበረሰባዊ ሓላፍነቱ ኣብ ምውፃእ ዝርከብ ዘሎ ትካል ኣልመዳ ነቲ ወራር ንምክልኻል ናብ ከባቢታት
- ዕዳጋ ሓሙስን ነበለትን
ከባቢ ዓድዋ
-የሓ
-እንዳባገሪማ
-እንዳማርያም ሽዊቶ
-ማይ ጥዑም
-ደብረ ገነት
ከባቢ ኣኽሱም
-ሓፀቦ
ካብ ዝሓለፉ ሽውዓተ መዓልትታት ጀሚሩ ናብተን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘጋጠመን ቦታታት ብምውፋር በቢመዓልቱ
-ሓሙሽተ ዓበይቲ መኻይን ብምምዳብ ሰራሕተኛታት ኣልመዳን ናይ ከተማ ዓድዋ ህዝብን ናብቲ ኣንበጣ ዘለዎ ከባቢ ብምጉዓዓዝ ሓገዝ እናሃበ ይርከብ።
-ሻድሽይቲ መኪና ድማ ብትካል ሰራሕተኛታት ዝተሰርሐት ረባሺ ድምፂ(ሳይረን) ብምትሓዝ ግልጋሎት ክትህብ እናገበረ መፅኡ እዩ።
-ሻውዐይቲ መኪና ድማ ናይ ትካል ዝኣረገ ናይ መኪና ጎማ ኣብ መዓልቲ 10 ጎማታት ብምሽካም ኣብ ብጣዕሚ ዕስለ ዝበዝሐሉ ሰራሕተኛታት ትካል ብዓሎም እናቓፀሉ ብጠቕላላ 70 ጎማታት ሓገዝ ተገይሩ እዩ።
-ሻምነይቲ መኪና ድማ ነፃጊት ኬሚካል ማሽን ብምሓዝ ግልጋሎት እናሃበ ፀንሑ እዩ። ብጠቕላላ 8 መኪና ኣብ መኸተ ተዋፍረን እናሰርሓ ይርከባ።ብተወሳኺ እውን 1000ባኒ ኣብ ናይ ትካል ካንቲን ብምዝግጃው ነቲ ኣንበጣ ዘባርር ዝወዓለ ሕብረተሰብ ትካል ዝካኣሎ ኩሉ እናገበረ ይርከብ።ሕዚ እውን ክሳብ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘቋርፅ ትካልና እውን ኣብቲ መኸተ ምክልኻል ኣንበጣ ይኹን ኣብ ምዕፃድ ዝባፅሐ እኽሊ ሓገዛቱ ኣጣናኺሩ ከም ዝቕፅል ክነረጋግፅ ንፈቱ።

#ህዝባውነት ብተግባር

ሎሚ እዉን ኣብ እንዳባ ፃሕማ፣ ሓሓይለ፣ ወርዒን ራህያን ሰፊሩ ንዝሓደረ ዕስለ ኣምበጣ ንምጭፍጫፍ ሰራሕተኛታት ፋብሪካና ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ብለይቱ ወፊሮም ኣለው። ብዋናነት ኬሚካል መንፀጊት ...
25/10/2020

ሎሚ እዉን ኣብ እንዳባ ፃሕማ፣ ሓሓይለ፣ ወርዒን ራህያን ሰፊሩ ንዝሓደረ ዕስለ ኣምበጣ ንምጭፍጫፍ ሰራሕተኛታት ፋብሪካና ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ብለይቱ ወፊሮም ኣለው። ብዋናነት ኬሚካል መንፀጊት ማሽንን ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ ሳይረንን ሒዞም ልዕሊ 3ተ ኣውቶብስ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ከባቢ ይዘምቱ ኣለው።

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ትማሊ ኣብ ላዕላይ ማይጨውን ገጠር ዓድዋን ኣጋጢሙ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ ሳይረንን መንፀጊት ኬምካልን ሒዞም ኣብቲ ዝተረኣየሉ ...
23/10/2020

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ትማሊ ኣብ ላዕላይ ማይጨውን ገጠር ዓድዋን ኣጋጢሙ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ ሳይረንን መንፀጊት ኬምካልን ሒዞም ኣብቲ ዝተረኣየሉ ከባቢ ብምኻድ እናመከቱ ውዒሎም!! ሎሚ እውን ናብ ከባቢ ራህያ ብዙሕ ሰራሕተኛታትና ወፊሮም ኣለው!!

Almeda's mask product.
17/10/2020

Almeda's mask product.

16/10/2020

ኣንበጣ ንምጥፋእ ብተግባር
==================

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ዕስል ኣንበጣ ንምጥፋእ እትሕግዝን ኬሚካል ትነፅግን ማሽን ኣምሪቱ ኣሎ!! እዛ ማሽን እዚኣ ፍልይ ዘብላ ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾነ ቦታ እውን እትንቀሳቐስን ብቐሊሉ ተሸኪምካ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ እትንቀሳቐስን ምዃና።
ብተወሳሊ እዉን ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ክልተ ዓበይቲ ሳይረን (ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ መሳርሒ) ሰሪሑ ማሕበረሰብ ንምሕጋዝ ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ!!

ህዝብና ንምሕጋዝ ብተግባር!!

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ጎኒ ህዝቡ !=========================ትእምት " ስኣን ማስክ ሓደ ትግራዋይ ተምሃራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከቡክር የብሉን " ካብ ዝብል እምነት ብምብ...
16/10/2020

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ጎኒ ህዝቡ !
=========================

ትእምት " ስኣን ማስክ ሓደ ትግራዋይ ተምሃራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከቡክር የብሉን " ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስ 3 ነጥቢ 4 ሚልዮን #ማስክ ንተምሃሮ ትግራይ ብነፃ ክዕደል ወሲና::

ብመሰረት'ዚ ፋብሪካ መሰቦ ስሚንቶ ብዝመደቦ 27 ነጥቢ 6 ሚልዮን ቅርሺ 3 ሚልዮን ማስክ ኣብ ፋብሪካ ዓላባ ኣልመዳ ክስራሕ ብምግባር ንጠቕላላ 1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ተምሃሮ ትግራይ ብነብሲ ወከፍ 2 ማስክ ብነፃ ክወሃቦም'ዩ።

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ንኩሎም ተመሃሮ ብቢዕድሚኦም ክጥቀምሉ ዝግበኦም ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለዎም ማስክታት ብምምራትን ብምሕጋዝን ህዝባዊ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ ይርከብ።

ብተወሳኪ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሕክምና/ሜዲካል ማስክ መምረቲ ማሽን ካብ ወፃኢ ብምምፃእ ሙሉእ ብሙሉእ እናምረተ ዝርከብ እንትከውን መዓልታዊ ሜዲካል ማስክ ናይ ምምራት ዓቅሙ ብመዓልቲ ልዕሊ 100,000 ይከውን!!
ቃል ብተግባር!!

Address

Bolo Road
Addis Ababa

Telephone

+251911208619

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Almeda Textile plc posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share