Bete Negash Tour Operator

Bete Negash Tour Operator Experience Islamic heritage with Bete Negash Tour Operator.

Specializing in tours to Al Nejashi Mosque and other cultural landmarks, we preserve and share the rich legacy of Islamic history in Tigray and beyond.

18/04/2025

"ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ብትካል ቤተ ነጋሽ ቱር ኦፕሬተር ተዳልዩ ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ።
=============
"ምድረ ሓቂ" ሰነዳዊ ፊልም ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ዝነበራ መባእታዊ ግደ ብዕምቆት ኣብ ምግላፅ ብፍሉይ ድማ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ስደት ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ናብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረን ዝሓዞም ጭብጥታትን መልእኽታትን ንዕቀባ ባህልን ታሪኽ፣ ኣካዳምያዊ ረብሓን፣ ብዓብዩ ድማ ንምፍላጥ እቲ ቕዱስ ስፍራን ዓሊሙ ዝተሰርሐ እዩ፡፡

" ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ብቛንቋ ትግርኛ ዝተሰናድአ እንትከውን ቛንቋ ዓረብኛ ትሕተ ኣርእስቲ (subtitle) ይጥቀም። ኣብ ቐፃሊ ቋንቋታት ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን ብምክታት ሰፊሕ ተበፃሕነት ክህልዎ እናተሰርሐ ይርከብ።🙏🏻



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

ንመላእ ተኸተልቲ  እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1446 በዓል ዒድ ኣል_ፈጥር ብሰላም ኣብፀሐኩም! ዒድ ሙባረክ!🙏🏻🌙 Eid Mubarak 🙏🏻✨✨✨✨✨✨✨✨   🙏🏻 ።👌 🙏🏻 ❤️
30/03/2025

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እንኳዕ
ንመበል 1446 በዓል ዒድ ኣል_ፈጥር ብሰላም ኣብፀሐኩም! ዒድ ሙባረክ!🙏🏻
🌙 Eid Mubarak 🙏🏻
✨✨✨✨✨✨✨✨



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

"ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق''  ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ብትካል ቤተ ነጋሽ ቱር ኦፕሬተር  ተዳልዩ ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ። ============= "ምድረ ሓቂ" ሰነ...
07/03/2025

"ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ብትካል ቤተ ነጋሽ ቱር ኦፕሬተር ተዳልዩ ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ።
=============
"ምድረ ሓቂ" ሰነዳዊ ፊልም ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ዝነበራ መባእታዊ ግደ ብዕምቆት ኣብ ምግላፅ ብፍሉይ ድማ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ስደት ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ናብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረን ዝሓዞም ጭብጥታትን መልእኽታትን ንዕቀባ ባህልን ታሪኽ፣ ኣካዳምያዊ ረብሓን፣ ብዓብዩ ድማ ንምፍላጥ እቲ ቕዱስ ስፍራን ዓሊሙ ዝተሰርሐ እዩ፡፡

" ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ብቛንቋ ትግርኛ ዝተሰናድአ እንትከውን ቛንቋ ዓረብኛ ትሕተ ኣርእስቲ (subtitle) ይጥቀም። ኣብ ቐፃሊ ቋንቋታት ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን ብምክታት ሰፊሕ ተበፃሕነት ክህልዎ እናተሰርሐ ይርከብ።



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

ካብ ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ  ክርከብ ዝግበኦ እቶት ንምርካብ ክንሰርሕ ኢና፦ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርትንመቐለ፥3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ( ቴሌቪዥን ትግራይ )መስጊድ ኣልነጃሺ ሃይማኖታዊ ትሕዝ...
11/01/2025

ካብ ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ክርከብ ዝግበኦ እቶት ንምርካብ ክንሰርሕ ኢና፦ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርትን

መቐለ፥3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ( ቴሌቪዥን ትግራይ )

መስጊድ ኣልነጃሺ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ ብዝበለፀ መሰሕብ ቱሪዝም ንምግባር ዓሊሙ ይስራሕ ከም ዘሎ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ገሊፁ።

ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ብኲናት ፅንተት ትግራይ ሓደጋ ምፍራስ ዘጋጠሞ እንትኸውን ሐዚ ኣብ ከይዲ ፅገና ይርከብ።

ፅገንኡ ኣብ ሓፂር ግዜ ብምዝዛም መስሕብ ቱሪዝም ብምግባር ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምቕያር ምስ ዝተፈላላዩ መዳርግቲ ኣካላት ይስራሕ ከምዘሎ ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሽኽ ኣደም ዓብደልቃድር ገሊፆም።

ሸኽ ኣደም ነዚ ዝበሉ ካብ ሃገራት የመን ፣ ሱዑዲ ዓረብ ፣ ኢንዶኖዥያ ፣ ቱርኪ ፣ ጆርዳን ፣ ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያን ካብ ወረዳታታት ትግራይን ንዝመፁ ኣጋይሽ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ኣብ ዘሕለፉሉ እዋን እዩ።

ኣብ ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዓብይ ቦታ ዘለዎ መስጊድ ኣልነጃሺ ታሪኹ ንዓለም ብምንጋር ኣፍልጦ ክረክብን ታሪኹን ሓድግታቱን ብምዕቃብን ኣብ ምንቕቓሕ ዝተዳኸመ ቁጠባ ትግራይ እወንታዊ ኣበርክቶ ንክህልዎ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

እቶም ካብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዓለም መስጊድ ኣልነጃሺ ንምህዋፅ ዝመፁ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ሕጉሳት ከምዝኾኑን ነቲ ታሪኻዊ ቦታ ምህዋፆም ብርሑቕ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ታሪኽ ብኣካል ክሪእዎ ብምኽኣሎም ፅቡቕ ስምዒት ከምዝፈጠረሎምን ተዛሪቦም።

ናብ ዓዶም ምስ ተመለሱ ትግራይ ሰላም ምዃናን ፅቡቕ ኣቀባብላ ጋሻ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑን ከምዝምስክሩ ኣረጋጊፆም።

ንቐፃሊ እውን ምስ ካልኦት ወገናት ብምዃኑ ከምዝምለሱ ዝገለፁ እቶም ሃወፅቲ ኣብ ምትእስሳር ልምዓት ቱሪዝም ካብዚ ንላዕሊ ክስራሕ ከምዝግባእ ምዒዶም።

ንጉስ ነጃሺ ዝዓረፉሉ መዓልቲ 2 ጥሪ ንምዝካር እዮም እቶም ካብ ዝተፈላልለዩ ከባቢታት ዓለም ዝመፁ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ቅዱስ ስፍራ ኣልነጃሺ ዑደት ዘሳለጡ።

ነብርቲ ከተማ ነጋሽ ብግዲኦም ታሪኽ ኣልነጃሺ ዓለም ብኣግባቡ ክፈልጦን መስሕብ ቱሪዝም ብምግባር ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምውዓል ክስርሓሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ፍልፍል ትግራይ ቲቪ

ወዕሎ በምሰሊ 👌መብል 18 ሙልተቀል ኹወይሷ ኮንፈረንስ ኣብ ኣልነጋሸ👌   🙏🏻 ።👌 🙏🏻 ❤️
10/01/2025

ወዕሎ በምሰሊ 👌

መብል 18 ሙልተቀል ኹወይሷ ኮንፈረንስ ኣብ ኣልነጋሸ👌



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

ካብ ዝተፈላልለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝመፁ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣልነጃሺ ዑደትን ዘተን የሳልጡ ኣለው።መቐለ፥ 2 ጥሪ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) 2 ጥሪ መሓመድ ኣል...
10/01/2025

ካብ ዝተፈላልለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝመፁ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣልነጃሺ ዑደትን ዘተን የሳልጡ ኣለው።

መቐለ፥ 2 ጥሪ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

2 ጥሪ መሓመድ ኣልነጃሲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣልነጃሺ ዝዕረፍላ ታሪካዊት ዕለት እያ። ነዛ ታሪካዊት ዕለት ንምዝካርን እዚ ቅዱስ ቦታ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ዑደትን ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ዑደተኛታት ካብ የመን ፣ሱዕዲ ዓረብ ፣ኢንዶኖሽያ፣ቱርኪ ፣ጆርዳን፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ካልኦትን ዝመፁ እዮም።

ሓፈሻዊ ኩነታት መስጊድ ኣልነጃሽን ብስንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ዘጋጠሞ ዕንወትን ከይዲ ፅገናኡን ድማ ተዓዚቦም ኣለው።

ኣብ ዳግመ ህንፀት መስጊድ ኣልነጃሽን ትግራይን እጃሞም ከም ዘበርክቱ እቶም ዑደተኛታት ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሞስሊም ሕብረተሰብ ምስ ሓበሻ ሙስሊም ዘለዎ ርክብ ንምጥንኻር እዚ ዕለት ወሳኒ እዩ ድማ ይብሉ እቶም ዑደተኛታት ።

እቶም መስጊድ ኣልነጃሺ ንምህዋፅ ኣብቲ ታሪካዊ ቦታ ተረኺቦም ዘለው ወገናት ኣብ ከይዲ ህንፀትን ማእኸል መስሕብ ቱሪዙም ንምግባርን ዓሊሞም ዘተ የሳልጡ ኣለው።

ፍልፍል :- ትግራይ ቲቪ

09/01/2025

ሓደርኺ ትግራይ🙏🏻

ጠንታዊ ታሪካዊ መሰጊድ ኣል ነጋሺ
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብዙሓት መብል 18 ሙልተቀል ኹወይሷ ኮንፈረንስ ኣብ ኣልነጋሸ ዘሳተፉ
ናይ ወፃኢሃገራት ቱሪሰት ናይ ታሪክን እምነት ተመራመርቲ መቐለ መአታው ጀሚሮም ኣለው::



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

Address

Mekelle

Telephone

+251910099958

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Bete Negash Tour Operator posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Bete Negash Tour Operator:

Share