04/04/2026
መድሓኒዓለም ዓዲ ቀሾ
*********************
ትግራይ ወናኒት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ እምነት እያ። ካብ መንጎ እዚኦም ኣብ ወረዳ ክልተኣውላዕሎ ጣብያ ነጋሽ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም መድሓኒዓለም ዓዲ ቀሾ ሓደ እዩ። እዚ ገዳም ብቅዲ ኣክሱማዊ ስነ¬ህንፃ ካብ ከውሒ ተፈልፍሉ ዝተሰርሐ እንትኾን፤ ናሕሱን ውሽጣዊ ኣካሉን ብዓበይቲ ኣዕምዲ፣ ሓረጋትን መሳቅልን ዝማዕረገ እዩ። እዚ ቅዱስ ስፍራ ክሳብ ጎቦታት ገረዓልታ ዘለው ስፍራታት ክትዕዘብ ዘኽእል ኣብ ገዛኢ መሬት ዝተደኮነ እንትኾን፤ ብሃገር በቆል እፅዋት ፅሕዲ፣ ኣውልዕ፣ ካልኦትን ዝማዕረገን ምዑዝ ኩነታት ኣየር ዘለዎን እዩ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ንግሲ መድሓኒዓለም ዓዲ ቀሾ መጋት 27 ብመድረኽ ዘተ፣ ዕዶት፤ ያሬዳዊ ዜማን ካልኦት ሃይማታዊ ንጥፈታትን ተሰኒዩ ብድምቀት ክኽበር እዩ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ትነብሩ ወገናት ኣብቲ በዓል ተረኺብኩም ተኻፈልቲ በረክት ክትኮኑ እንዳዓደምና፤ እዚ ጥንታዊ ገዳም ብምልማዕ ናብ መስሕብ ቱሪዝም ንምውዓል ኣብዝግበር ፃዕሪ እጃምኩም ክትዋፅኡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡
ክብረ በዓል ገዳም መድሃኒ አለም ዓዲቃሾ መጋቢት 27 ቢዓመቱ ብድምቀት ይክበር
Tigray #