17/09/2026
#መስቀል 2019 ዓ.ም ኣብ #ዓጋመ #ስቡሓሳዕሲዕ #ዕዳጋሓሙስ ኣብ ዓድና ዘሎ ኩነታት ድርቂ ኣብ ግምት ብምእታው ክኽበር እዩ። ኣብ ስቡሓ ሳዕሲዕ ዕዳጋሓሙስ ንሃይማኖታውን ባህለውን ትሕዝቶ በዓል መስቀል ማለት እውን ዳሜራ ፣ ዓኾዓኾዄይ፣ግዕዝም ፣ጥሕሎ ፣ሜስ ፣ሶላ ፣ ባህላዊ ደርፍታትን ዓቂብና ኣካል ናይቲ በዓል ምድላው ብምግባርን ዓበይቲ ዓዲ ከተማናን ገጠርን ኣብ ዝተረኸብሉ መስከረም 15 ንበዓል መስቀል ዝገልፁ ደርፍታት ብምቕራብን እንኳዕ ናብ በዓል መስቀል ዓጋመ ብደሓን መፃኹም ንምባልን ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ምድላዋት ይውገኑ ኣለው። እዚ ምድላው ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብምትሕብባር ሰፊሕ ናይ ሚድያ ሽፋን ዝረክብ ኣካል ድምቀት መስቀል ዓጋመ እዩ።
እዚ በዓል ከምወትሩ ደሚቑ ክሓልፍ ኮሚቴ መስቀል ኦሞለይታን ማሕበር ሱቡሓ ሳዕሲዕን ኣብ ዴያስፖራ ዘለኹም ተወለድቲ እጃምኩም ክትዋፅኡ፣ ብተወሳኺ ከንቲባ ከተማና ከተማ ዕዳጋሓሙስ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ፀሃየ ከምኡውን ኣመሓዳሪ ወረዳ ሱቡሓ ሳዕሲዕ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣባይ ዝጀመርክሙዎ ፅቡቕ ስራሕ ኣጠናኺርኩም ክትቅፅሉን፣ ቤት ማዛጋጃ፣ ማይ ሃፍቲ ከምኡ ውን ሰብ ሃፍቲ በዓልና ደሚቑ ክሓልፍ ዘይትካእ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ይግባእ። መስቀል ኣብ ዓጋመ ብሰላም የራኽበና!! ሰናይ ቅንያት መስቀል!!
#ሶልቴክ ኢቨንትስ