Discover Atsbi wemberta

Discover Atsbi wemberta Describes the cultural, Historical, Natural, and religious heritages of Atsbi Wemberta. IT IS A TWIN PAGE TO ATSBI WEMBERTA THE ROOF OF ROCH CHURCHES

03/08/2024
22/11/2019
14/10/2019

ደብረሰላም ሚካኤል
---------------
እዚ ቤተክርስትያን ብናይ ከባቢ ሕብረተሰብ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ደብረሰላም ይበሃል። ብዓለም ለኸ ዌብ ሳይታት ግና ሚካኤል ደብረሰላም ብዝብል ሽም ይፍለጥ።
ደብረሰላም ሚካኤል (ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ደብረሰላም) ካብ ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሴ ንኣንፈት ሰሜን ምዕራብ 9 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ማእኸል ጎቦ ዝተሃንፀ ጥንታዊ መስሕብ እዩ። ከም መፅናዕቲ ኣባ ተወልደመድህን ዮሴፍ እቲ ቤተክርስትያን ኣብ 6ይ ክፍለዘበን እዩ ተሃኒፁ።
ኪነ ህንፃ ቤተ ክርስትያን ደብረሰላም ሚካኤል ካብ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ ፍልይ ዝበለ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ካልእ ቤተ ክርስትያን ዝተሰርሐ እዩ። ኣይቪ ፒርስ ዝተብሃለት ተማራማሪት ኪነ ህንፃ ንቲ ቤተክርስትያን ክትገልፆ ከላ ሓደ ቤተክርስትያን ኣብ ውሽጢ ካልእ ቤተክርስትያን (a church with in a church ) ኮይኑ ምስርሑ ፍሉይ ኪነ ህንፃ ዝዓረፎ ኣተሃናንፃ እዩ። ናይዚ መግለፂ ብሓደ ወገን ድርብ ቅኔ ማህሌትን ቅድስትን ዘለዎ ብምዃኑ ብኻሊእ ወገን ድማ በዓል ሓደ ደብሪ ህንፃ ምዃኑ እዩ።
እዚ ጥንታዊ ቤተክርስትያን ሓሙሽተ መለለዪ ቅዲ ኣተሃናንፃታት ኣለውዎ። እቲ ሓደ ሳንድዊች ዝበሃል ቅዲ መንደቕ ዝኽተል ምዃኑ እዩ። ሳንድዊች ማለት ፅሩብ እምንን ፅሩብ ዕንፀይትን ኣዋሲብካ ብምግጥጣም ምስራሕ ማለት እዩ። ካልኣይ ስዋስቲካ (ጀርመንኛ) ዝበሃል ናይ መስኮት ቅርፂ ዘለዎን እቲ መስኮት ካብ ሓደ እምኒ ተፈልፊሉ ዝተሰርሐ ምዃኑ እዩ። ሳልሳይ ኣብ ግድግዳ፣ ሞሮን ዕንፀይትታትን እቲ ህንፃ ዝተስኣሉ ብርክት ዝበሉ ጥንታዊ ናይ ቅብኢ ጥበባት ዝረኣየሉ ህንፃ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቤተ መቅደስ ዝርከቡ ብጣዕሚ ዝሃሰሱ ስእልታት፣ ኣብ መስኮት ዕንፀይቲ ዝተሰኣለ ናይ ወላዲተ ኣምላክ ስዕሊ(The Virgin and her Son ) ብዙሓት ወጻእተኛታት ዘደመሙን ኣግራሞት ዝፈጠሩን እዮም። ራብዓይ ካብ ደገ ተፀሪቦም ዝኣተዉ ናይ ከውሒ ኣዕምዲ (Rock Pillars) ብምግጥጣም ዝተሰርሐ እዩ። እዚ እቲ ብጣዕሚ ዘደንቕ ዝረቐቐ ቴክኖሎጂ እዩ። እቲ ሓምሻይ ዝረቐቐ ናይ ሓፂንን ዕንፀይቲን ቴክኖሎጂ ዝተጠቐመ ቤተክርስትያን እዩ።
ብተወሳኺ ካብ ደቀቕቲ ኣእማን ዝተነደቑ ግድግዳታት፣ ኣኽሱማዊ ሰረገላታት፣ ካብ ዕንፀይቲ ዝተሃነፁ መሳኹቲ መሰል ቅርፅታት፣ ወዘተ ደብረሰላም ሚካኤል ንምግላፁ ዘፀህም ወናኒ ብዝኃ ጥበባት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።
ቅድስትን ቤተ መቅደስን ዝራኸብሉ ክፍሊ ፀቢብን ፅልምት ዝበለን እንትኸውን ስፍሓቱ 6 ሜትሮ ብ6 ሜትሮ ኮይኑ ቃስትኡ ድማ 7 ሚትሮ ብራኸ ኣለዎ። በዓል ሰለስተ ቤተ መቕደስ እውን እዩ። እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጡ ዓርሶም ክኢሎም ጠጠቅእውን እዩ። እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጡ ዓርሶም ክኢሎም ጠጠው ዝበሉ 4 ዓምድታት እንትህልውዎ 2.6 ሜትሮ ብራኸ ኣለዎም። ቅድስትን ቤተ መቅደስን ፀልማት ብምዃኖም መብራህቲ (ላምባዲና) ምሓዝ የድሊ።
ኣብ ቀፅሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ብርክት ዝበሉ ጥንታዊ መልግባትን ዝፈራረሱ ኣባይትን ይርከቡ።
ክብረ በዓል ደብረ ሰላም ሚካኤል ጥቅምቲ 4 እዩ።
ዘይተላለዩ መስሕባትና ንምልላይ እጃምና ነወፊ!

Reminding Dejazmach Subagadis' Gifts to Atsbi Wemberta
12/12/2018

Reminding Dejazmach Subagadis' Gifts to Atsbi Wemberta

Address

Atsbi Wemberta
Inda Silase Ats'bi

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Discover Atsbi wemberta posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Discover Atsbi wemberta:

Share