28/08/2026
#ዓይኒዋሪ ኣብ #ኣክሱም
ኣቲ ዓኒ ዋሪ ዓይኒ ዋሪ
እሞ ሃየሃየ ከይትስበሪ
ኣቲ ዘንጊ ወርቂ ዘንጊ ወርቂ
እሞ ሃየ ሃየ ከይትወድቂ
ኣታ ኣብ ልዕሊ ማእገረን ዝሕንግረኣ ንእሽተይ ቆልዓ ምስ ፅላተ ሙሴ ይትሓሓዝ ብእግዚኣብሄር እታ ንሙሴ ዝተውሃበቶ ናይ መጀመርያ ፅላት ስለ ዝተሰበረቶ እሞ ሃየሃየ ከይትስበሪ ማለት ነዚ ንምምልካት እዩ ይብሉ ዓበይቲ ዓዲ።
#ዓይኒዋሪ ዋሪ ማለት ድማ ካብ ዓይነታት ኣዕዋፍ ዝተፈለየት ፅብቕቲ ዒፍ እያ። እዛ ዒፍ እዚኣ ድማ ኩሉ ግዜ ካብ ወርሒ ነሓሰ መወዳእታ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ መጀመርያ ኣብ ዘሎ እዋን ብፍሉይን ስሕት ኢላ እትረአ ኣብ ዝኮነ እዋን ዘይትርከብ ዓይነት ዘርኢ ዒፍ እያ። እዛ ዒፍ እዚኣ ካብ ኩለን ዓሌታት ኣዕዋፍ ዝተፈለየትን ፍሉይን ሰሓባይ ሕብሪን ዝወነነት ዝተፈለየ ኣፈጣጥራ ዘለዋ ዒፍ እያ። ብፍላይ ድማ ዓይኒ እዛ ዒፍ ኣዝዩ ሰሓቢ ከምዘኮነን በዚ ምክንያት ድማ ምስ ዓይኒ ናይዛ ዋሪ ንምምስሳል ዓይኒ ዋሪ ክበሃል ክኢሉ ይብሉ ዓበይቲ ዓድን ምሁራት ሃይማኖትን።