Tigrai Hiking Group

Tigrai Hiking Group A group of volunteers promoting & organizing tours all over .

Today, Bureau of Culture and Tourism of Tigrai organized a half-day workshop in Mekelle, bringing together representativ...
30/06/2025

Today, Bureau of Culture and Tourism of Tigrai organized a half-day workshop in Mekelle, bringing together representatives from all Tigrai hiking branches, including Mekelle, Adigrat, Shire, Tembien, Adwa, and Axum. The primary agenda focused on fostering collaboration to enhance domestic tourism and ecotourism in the region, as well as addressing the challenges faced during hiking activities.

The workshop provided a platform for open dialogue, idea-sharing, and mutual understanding among the different branches. As a result, participants reached a collective agreement to work closely together moving forward, with a shared commitment to promote sustainable tourism and improve the overall hiking experience in Tigrai.

Following the workshop, attendees visited Atse Yohannes Palace. The visit was both educational and engaging, offering insights into Tigrai's rich cultural heritage and royal history.

We're on the Trails!At the beginning of winter break, the Tigrai Hiking Society is hitting the mountains once again.Come...
29/06/2025

We're on the Trails!
At the beginning of winter break, the Tigrai Hiking Society is hitting the mountains once again.
Come enjoy the beauty of winter with us—fresh air, snowy peaks, and unforgettable adventures await!

ውዕሎ ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ተምቤንናይ ሎሚ ዕለት ውዕሎና ብ ጎቦ ዳ ዳቁላ ከባቢ ፀሊም በዓቲ ብምድያብ ክሳብ ደኒ ዳውስራ ጉዕዞ ብምግባር ጉዕዞና ኣብ ደኒ ዳውስራ መወዳእታ ብምግባር...
29/06/2025

ውዕሎ ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ተምቤን

ናይ ሎሚ ዕለት ውዕሎና ብ ጎቦ ዳ ዳቁላ ከባቢ ፀሊም በዓቲ ብምድያብ ክሳብ ደኒ ዳውስራ ጉዕዞ ብምግባር ጉዕዞና ኣብ ደኒ ዳውስራ መወዳእታ ብምግባር ሰሓቢ ጉዕዞ ኣካይድና።

ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት ጉዕዞና ቡዙሓት ኣባላት ዝተረከቡ እንትኮኑ ሰሓቢ ኣቀማምጣ ከተማና እንዳተዓዘብና ፈታንን ደስ ዝብልን ግዜ ኣሕሊፍና።

ድሕሪ ሰሓቢ ዝኮነ ጉዕዞና ኣብ ከተማ ኣብ ዝተከፈተ ሓዱሽ መዝናነዪ ማእከል "ሮሓ ላውንጅ" ናይ ቁርሲ እንግዶት ተገይሩልና ጥዑም ቁርሲ ብምብላዕ ብዛዕባ ማሕበርና ክዓመሎም ዝግበኡ ስራሕቲ ብምዝታይ ጉዕዞና ከንቢትና። ንዝተገበረልና ናይ ቁርሲ እንግዶት ካብ ልቢ እንዳመስገና ካልኦት ትካላት እውን ኣሰር ሮሓ ላውንጅ ክክተሉ ፃውዒትና እዩ።

እንዳሃወፅና ታሪካትን ክብርታትን ከባቢና ነላሊ!

ኣብ tiktok ቤተሰብ ብሙካን ጉዕዞታትና ብምስሊ ይከታተሉ
tiktok.com/

Tigrai hiking association Tembien branch

Today we hiked to a place called "Da Daqula" and is found areound 1Km far from Abyi adi town and our visit was amazing and breathtaking place.

We spend amazing time enjoying the nature of the mountains.

Let’s protect the histories and values ​​of our surroundings while hiking!

Follow us on tiktok
tiktok.com/

 : We are back to hiking after a long break. Today's hike was refreshing, with foggy and cold weather adding a touch of ...
29/06/2025

: We are back to hiking after a long break. Today's hike was refreshing, with foggy and cold weather adding a touch of mystery. Hiking during the summer rainy season feels adventurous and unique. Spend your Summer vacation via hiking. It’s a great way to connect with nature and recharge.

* ናይ ክረምቲ ዕረፍትኩም Hike ብምግባር ኣሕልፍዎ!

ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ተንቤን ሰንበት ዕለት 22/10/2017 ናብ ጎቦ እንዳ ዳቁላ ክሳብ ጎቦ ዳውስራ ክንሓኹር ኢና። እንዳ ዳቁላ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ናብ መቐለ ኣብ ትወፀሉ መንገ...
27/06/2025

ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ተንቤን

ሰንበት ዕለት 22/10/2017 ናብ ጎቦ እንዳ ዳቁላ ክሳብ ጎቦ ዳውስራ ክንሓኹር ኢና። እንዳ ዳቁላ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ናብ መቐለ ኣብ ትወፀሉ መንገዲ ካብ ከባቢ ፀሊም በዓቲ ቀፂሉ ዝርከብ ሰሓቢ ጎቦ እዩ። ተሓወሱና!

እንዳሃወፅና ታሪካትን ክብርታትን ከባቢና ንሓሉ!

Tigray Hiking Group, Tenbien Branch

Sunday 22/10/2017 we will hike to the mountain of "Da Daqula" until mountain of "Dawsra" this mountain is located near tselim beati and is one of the mountains of Abyi adi. Join us!

Let’s protect the histories and values ​​of our surroundings while hiking!



ተወሰኽቲ ምስልታት ንምርካብ ኣብ Tiktok ይርከቡና
tiktok.com/

⭕ መራኸቢ ቦታ: ማዞርያ
⏲️ መራከቢ ሰዓት 11:30
🕛 መበገሲ ሰዓት: 12:00

ዉዕሎ ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ናብ ጀወርግስ ለኻምባ 2600 ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ከምቲ ልሙድ ምስ ኣባላትና ሓኺርና መንፈስኻ ዘሀድስ ጉዕዞ ኣካይድና ።ኹሉ ጊዜ ቀዳም ተሓ...
31/05/2025

ዉዕሎ ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ናብ ጀወርግስ ለኻምባ 2600 ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ከምቲ ልሙድ ምስ ኣባላትና ሓኺርና መንፈስኻ ዘሀድስ ጉዕዞ ኣካይድና ።ኹሉ ጊዜ ቀዳም ተሓወሱና ።

ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንጎ ማሕበር ሓዀርቲ ትግራይ ኣክሱምን ዓድዋ ተከይዱ      ሎሚ ንጉሆ ''ፀወታ ኩዕሶ ንሓድነት'' ብዝብል ቴማ ኣብ ሞንጎ ማሕበራት ሓኾርቲ ትግራይ ዓድዋን ኣኽሱምን...
18/05/2025

ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንጎ ማሕበር ሓዀርቲ ትግራይ ኣክሱምን ዓድዋ ተከይዱ

ሎሚ ንጉሆ ''ፀወታ ኩዕሶ ንሓድነት'' ብዝብል ቴማ ኣብ ሞንጎ ማሕበራት ሓኾርቲ ትግራይ ዓድዋን ኣኽሱምን ኣብ ከተማ ዓድዋ ስታድየም ለካቲት 11 ዝተኻየደ ግጥም ኩዕሶ እግሪ #ማሕበር ሓኾርቲ ኣኽሱም 4 : 2 #ማሕበር ሓኾርቲ ዓድዋ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ።

ከምዚ ዓይነት ሓድነትናን ፍቕርናን ዘጠናኽሩ ምንቅስቓሳት ኣጠናኺርና ክንቅፅለሎም ይግባእ።

ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ዓድዋን ኣክሱምን ሰንበት ዕለት 10/09/2017 ዓ/ም ኣብ ኩዕሶ ሜዳ 11 ለካቲት ዓድዋ ካብ ሰዓት 2:00 ጀሚሩ ፀወታ ኩዕሶ ንሓድነት ብዝብል መሪሕ ቃል ናይ...
16/05/2025

ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ዓድዋን ኣክሱምን ሰንበት ዕለት 10/09/2017 ዓ/ም ኣብ ኩዕሶ ሜዳ 11 ለካቲት ዓድዋ ካብ ሰዓት 2:00 ጀሚሩ ፀወታ ኩዕሶ ንሓድነት ብዝብል መሪሕ ቃል ናይ ኩዕሶ ፀወታ ክካየድ እዩ።

ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ዝኮንኩም መፂኹም ንክትከታተሉ ተዓዲምኹም ኣለኩም።

ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ንሓድነት!

ማሕበር ሓኾርቲ ትግራይ  ዓድዋ   ሰንበት ንጉሆ ዕለት 3/9/2017 ፍልይ ብዝበለ መልክዑ  ናብ እንባ መላእኽቲ ክንሓኩር ኢና⏰መራኸቢ ሳዓት: 11:45 ወጋሕታ⏰መበገሲ ሳዓት: 12:30 📍መ...
06/05/2025

ማሕበር ሓኾርቲ ትግራይ ዓድዋ

ሰንበት ንጉሆ ዕለት 3/9/2017 ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ናብ እንባ መላእኽቲ ክንሓኩር ኢና
⏰መራኸቢ ሳዓት: 11:45 ወጋሕታ
⏰መበገሲ ሳዓት: 12:30
📍መራኸቢ ቦታ ሸዊት ኣደባባይ
ብዛዕባ ጉጅለናን ከባቢናን እና ዘተናን እስፖርታዊ ምንቅስቃስ እናገበርናን እናተዘናጋዕናን ክንሓኩር(ክንህውፅ) ኢና
ምፁታ ሓቢርና እናሓኾርናን እንዳሃወፅናን ታሪካትን ክብርታትን ከባቢና ነላሊ!
ማሕበር ሓኾርቲ ትግራይ

ውዕሎ ሰንበት ጉጅለ ሓኮርቲ ትግራይ ጨንፈር ተንቤንሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ልዕሊ እንዳ ባርባ ዝርከብ ናይ ቀደም እንዳ ኪዳነ ምህረት ቤተክርስትያን፣ ምዉቃዕ ደወል ዑደት ገይረና። ...
04/05/2025

ውዕሎ ሰንበት ጉጅለ ሓኮርቲ ትግራይ ጨንፈር ተንቤን

ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ልዕሊ እንዳ ባርባ ዝርከብ ናይ ቀደም እንዳ ኪዳነ ምህረት ቤተክርስትያን፣ ምዉቃዕ ደወል ዑደት ገይረና። ኣብ ናይ ሎሚ ጉዕዞና ኣብ 1560ታት ከምዝተመስረተ ዝንገረሉ ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ኣብቲ ቦታ ምንባሩን ኣብዙ ሐዚ እንዳ ማርያም የረፈዳ ቤተክርስትያን ዝላትሉ ድማ ከምዝወረደን ይንገር።

ከተማ ዓብይ ዓዲ ብኣንፈት ምብራቕ "ላዕላይ ከተማ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰፈር ብንጉስ ሰሪፀ ድንግል ካብ 1563 ክሳብ 1597 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ግዘ ማለት ኣብ ምጅማር ዘመነ መሳፍንቲ ብደጃት ገ/የሱስ ኣባ ሳንጋ ከምዝተጣየሸን ደጃዝማች ገ/የሱስ ካብቶም ሸውዓተ ዙፋን ተባሂሎም ዝፍለጡ መስረቲ ዓብዪ ዓዲ ከምዝኾኑን ዓበይቲ ዓዲ ይገልፁ።

ኩሉ ፈታዊ ጉዕዞና ድማ እንኸዶም ጉዕዞታትናን ስራሕትን ብምስልታት ንምክትታል ናይ youtube ኣካውንትና subscribe ብምግባር ቤተስብ ንክትኮኑ ንፅውዕ።

https://www.youtube.com/

ኣብ tiktok ቤተሰብ ብሙካን ጉዕዞታትና ብምስሊ ይከታተሉ
tiktok.com/

መስሕባት ቱሪዝም ተንቤን ንዕብየት ተንቤን!

ጉጅለ ሓኮርቲ ትግራይ ጨንፈር ተንቤን ሰንበት ዕለት 26/8/2017 ናብ ጎባ ባርባ ብምህዋፅ ታሪካዊ ቤተክርስትያን ማርያም የረፈዳ፣ በዓቲ ሸክ ዒሻን ክሳብ ጎቦታት ላዕላይ ከተማ ክንሓኩር ኢ...
03/05/2025

ጉጅለ ሓኮርቲ ትግራይ ጨንፈር ተንቤን

ሰንበት ዕለት 26/8/2017 ናብ ጎባ ባርባ ብምህዋፅ ታሪካዊ ቤተክርስትያን ማርያም የረፈዳ፣ በዓቲ ሸክ ዒሻን ክሳብ ጎቦታት ላዕላይ ከተማ ክንሓኩር ኢና ድሌት ዘለኩም ተሓወሱና።

እንዳሃወፅና ታሪካትን ክብርታትን ከባቢና ንሓሉ!

Tigrai Hiking Group, Tenbien branch

Sunday morning 26/8/2017 we will be climbing to the mountain of "Barba" and we will vist oldest Mariam Yerefeda Church, Sheikh Ishan Cave and we will hike up to the mountains of Laelay Ketema. Join us!!

Let’s protect the histories and values ​​of our surroundings while hiking!

ተወሰኽቲ ምስልታት ንምርካብ ኣብ Tiktok ይርከቡና
tiktok.com/

⭕ መራኸቢ ቦታ: ዓብዪ ዓዲ ኣደባባይ
🕐 መራኸቢ ሰዓት፡ 12፡00
🕛 መበገሲ ሰዓት: 12:15

Address

Tigrai
Mekelle
15145

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Hiking Group posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigrai Hiking Group:

Share