
15/02/2025
ውዕሎ ተንቤን ወርሰገ
1. ጣልያን 3 ጀነራላት ተቐቲሎም
2. ልዕሊ 10,800 ወታደር ጣልያን ተደምሲሶም።
3. ጣልያን 3 ተዋጋእቲ ጀታት(ኣየር) ከም ዝወደቓ
4. ከምኡ ውን 2 ታንክታት ከም ዝተቓፀላ
ኣብቲ ኲናት ብኣካል ዝተሳተፈ ኣማኻሪ ራእሲ ካሳ ዝነበረ ኣዶልፍ ፓርላሳክ ዝበሃል ፀሓፊ ኣብ መፅሓፉ ገሊፅዎ እዩ።
ኣብዚ ኩይናት ዝተሳተፈ
√ በዝሒ ሰራዊት ጣልያን 300,000
√ በዝሒ ታንኪ 500
√ በዝሒ ኣየር 500 ከም ዝኾነ እውን የሓበሻ ጀብድ ኣብ ዝብል መፅሓፍ ገፅ 60 ተገሊፁ ይርከብ።
እዚ ኹሉ ኣፅዋርን ስራዊትን ጣልያን ተጋሩ ወለድና በይኖም ንልዕሊ 7 ኣዋርሕ ብዘደንቕ ጅግንነት መኪቶምዎ እዮም።
መበል 89 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ተንቤን ወርሰገ