Tigrai Tourism

  • Home
  • Tigrai Tourism

Tigrai Tourism this page promoting Tigrai's potential tourism resources

 ፍሉይ ኩነታት ኣየር ትግራይ ንስፖርት ቱሪዝም ምቹው ቦታ ይገብራ ምዉቕ ኩነታት ኣየርን፣ ውሑድ ዝናብ፣ ብብዝሒ ፀሓይ ዝበዝሖ መዓልታት ዘለዎ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ኣብ ደገ ንዝግበር ንጥፈታት...
18/12/2024


ፍሉይ ኩነታት ኣየር ትግራይ ንስፖርት ቱሪዝም ምቹው ቦታ ይገብራ ምዉቕ ኩነታት ኣየርን፣ ውሑድ ዝናብ፣ ብብዝሒ ፀሓይ ዝበዝሖ መዓልታት ዘለዎ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ኣብ ደገ ንዝግበር ንጥፈታት ካብ ጉዕዞ እግሪ፣ ምሕኳር ጎቦን፣ ብስክሌት, ኣትሌቲክስ, ኣድቨንቸር ቱሪዝምን ተመራፂት እያ።
እቲ ዝሑል ንግሆን ልኡም ምሸታትን በፃሕቲ ስፖርት ቱሪዝም ብዝጥዕም መንገዲ ከስተማቕሩ ይክእሉ እዮም። ኣብ ትግራይ፡ ኩነታት ኣየርን መልክዓ ምድርን ተደሚሮም ዘይርሳዕ ስፖርታዊ ተመክሮ ከስተማቅሩ ይገብር።

23/08/2024
AbuneGerima Gospel, World’s first illustrated Christian bible.አብ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ክርስትና ዓብይ ግደ ካብ ዘለዎም አብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን  ምምፃ...
20/08/2024

AbuneGerima Gospel, World’s first illustrated Christian bible.
አብ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ክርስትና ዓብይ ግደ ካብ ዘለዎም አብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ምምፃእ ተስአቱ ቁዱሳን እዩ ካብኣቶም ሓደ ከዓ ኣቡነ ገሪማ እዮም።
እንዳ አባ ገሪማ ገዳም ካብ ከተማ ዓድዋ ንኣንፈት ምብራቅ ብመኪና አስታት 10 ደቂቃ ብእግሪ ድማ 30 ደቂቃ ዝወስድ ጉዕዞ ድሕሪ ምጉዓዝ ታሪክ ዝተፈፀመሎም ሰንሰለታዊ ጎቦታት ዓድዋን ካብ ትግራይ ብንውሐቱ ካልአይ ዝኮነ ጎቦ ሰማያታ ብማዕዶ እናረአካ ተፈጥሮአዊ አቀማምጣ ምድሪ እናድነቅካን ናብቲ ገዳም ትበፅሕ ።
እዚ ገዳም ልዕሊ 1500 ዓመት ዝፀንሐ ሐድጊታት ሐቁፉ ዝሐዘ እዩ። ካብአቶም አብ መጀመርያ 6 ክፍለ ዘመን ዝተፅሐፉ አብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዉ ናይ ወንጀል/ወንጌል ናይ ሃይማኖት ክርስትና መፃሕፍቲ እቲ ናይ መጀመርያ ዝኮነ፤ ኣብዚ መፅሐፍ ዝተስአሉ ስእልታት ረቂቅ ናይ ስነ ህንፃ አተሃናንፃ ዝዓረፈሉ፣ ናይ ስርዓተ ቀኖና ቤተክርስትያን ቅዱሳን መፃሕፍትን ፣ናይ ወንጌላውያን ምሰሊ ምስ አብነታት ዝሐዘ ብኢድ አቡነ ገሪማ ዝተፅሐፈን ዝተስአለን ዝንገረሉ ብካርቦን ዴት ብሳይንሳዊ መረጋገፂ ዝተረጋገፀ ናይ ብራና መፅሐፍን ሽፋኑ ድማ ብወርቂ ዝተለበደ ሙኳኑ ፍሉይ ይገብሮ።
ካሊእ ሃፍቲ እዚ ቤተክርስትያን ጥንታዎት መናፅፍን መጋረጃታትን እዮም።እቶም መናፅፍ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ምእመናንን ነገስታትን ነቱ ገዳም ዝተውሃቡ እዮም። መናፅፍ አባ ገሪማ ካብ ሃርን ካብ ካልኦት ፈትልታትን ዝተሰርሑ እዮም።ብፍላይ ካብ ሃሪ ዝተሰርሐ ምንፃፍ አብዚ ሕዚ እዋን አብ ዓለምና አብ ዉሑዳት ከባቢታት ጥራሕ ተዓቂቡ ከም ዝርከብ በቲ መዳይ ፅንዓት ዝገብሩ ወፃእተኛታት ይገልፁ።እቱ ምንፃፍ ካብ ዝርከበሎም ሃገራት ውሽጢ አብ ካናዳ ዝርከብ አንቶሪዮ ሙዝየም፣አብ ኢንግሊዝ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ አክስፎርድን እንዳ አባ ገሪማን ይጥቀሱ።

ቁኖ ጋመከም ባህሊ  ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ከባቢ ገጠራት ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዝረኣ እንተኾነ  ገና ዘይተመርዓወት ድንግል ጓል ፍርቂ ፀጉራ ብምልፃይ እቲ ዝተረፈ ፀጉሪ ከዓ ብምቁናን   ገና ን...
08/08/2024

ቁኖ ጋመ

ከም ባህሊ ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ከባቢ ገጠራት ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዝረኣ እንተኾነ ገና ዘይተመርዓወት ድንግል ጓል ፍርቂ ፀጉራ ብምልፃይ እቲ ዝተረፈ ፀጉሪ ከዓ ብምቁናን ገና ንዓቅመ ሄዋን ንዘይበፅሓት ጎርዞ ጓል ናይ ፀጉሪ ቅዲ ጋመ ይበሃል።

 #ኣሸንዳ-  #ትግራይ #ቆፅሊ-  #ኣሸንዳ
05/08/2024

#ኣሸንዳ- #ትግራይ
#ቆፅሊ- #ኣሸንዳ

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Tourism posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigrai Tourism:

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Travel Agency?

Share