
18/12/2024
ፍሉይ ኩነታት ኣየር ትግራይ ንስፖርት ቱሪዝም ምቹው ቦታ ይገብራ ምዉቕ ኩነታት ኣየርን፣ ውሑድ ዝናብ፣ ብብዝሒ ፀሓይ ዝበዝሖ መዓልታት ዘለዎ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ኣብ ደገ ንዝግበር ንጥፈታት ካብ ጉዕዞ እግሪ፣ ምሕኳር ጎቦን፣ ብስክሌት, ኣትሌቲክስ, ኣድቨንቸር ቱሪዝምን ተመራፂት እያ።
እቲ ዝሑል ንግሆን ልኡም ምሸታትን በፃሕቲ ስፖርት ቱሪዝም ብዝጥዕም መንገዲ ከስተማቕሩ ይክእሉ እዮም። ኣብ ትግራይ፡ ኩነታት ኣየርን መልክዓ ምድርን ተደሚሮም ዘይርሳዕ ስፖርታዊ ተመክሮ ከስተማቅሩ ይገብር።