Delina Consulting AB

Delina Consulting AB Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från Delina Consulting AB, Pass och visum, Ångermannagatan 134, Stockholm.

Delina consulting will pursue service in basic computer knowledge, study and job coaching in education, internships and/or jobs, language and subject support in Tigrinya and Amharic, and social services and support.

ደሃይ ምርጫ !ኣብ ምርጫ 2026 ብማግዳለና ኣንደርሶን ዝምራሕ ጸጋማዊ ብሎክ 176 ብ 173 ወናብር ብንርካብ ከም ዝተዓወተ ብወግዒ ተሓቢሩ። እዚ ብጸቢብ ፍልልይ ናይ ድምጺ ምቑጻር ክካየድ ...
17/09/2026

ደሃይ ምርጫ !

ኣብ ምርጫ 2026 ብማግዳለና ኣንደርሶን ዝምራሕ ጸጋማዊ ብሎክ 176 ብ 173 ወናብር ብንርካብ ከም ዝተዓወተ ብወግዒ ተሓቢሩ። እዚ ብጸቢብ ፍልልይ ናይ ድምጺ ምቑጻር ክካየድ ድሕሪ ምቕናይ፡ ሎሚ ሓሙስ 17 መስከረም 2026 ጸጋማዊ ብሎክ ከም ዝተዓወተ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒተር ሽወደን ጽባሕ ዓርቢ ካብ መዝነቱ ክሰናበት ሙዃኑ ዉን ማዕከን ዜና SVT ሓቢሩ ኣሎ። ብዜካ እዚ መራሒ ሰልፊ SD ዝኾነ Jimmie Åkesson ዉን ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ናይ 16 ዓመት: እቲ ንሲኡ ዝመርሖ ሰልፊ sverigedemokraterna ንመጀመርያ ግዜ ብ-3 % ስለ ዘንቆልቆለ፡ ካብ መሪሕነት ናይ ሰልፊ SD ተኣልዩ ተኣልዩ ዕረፍቲ ክወስድ ሙዃኑ ማዕከናት ዜና ሽወደን ይጽብጽባ ኣለዋ። ገለ ገለ ምንጭታት ዉን Jimmie Åkesson እንተወሓደ ንሓደ ተወሳኺ ናይ ስልጣን ዘመን ከም መራሒ ፓርቲ ክቕጽል ይኽእል ዝብሉ ኣለዉ ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ፡ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ብሎካት ብናይ 50 359 ድምጺ ጥራሕ ተፈለልዮም ዉድድሮም ዛዚሞም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ዝያዳ ደገፍ ዝረኸበ ሰልፊ Vänsterpartiet ኮይኑ ኣሎ። ብዝሒ ወናብር ባይቶ ሽወደን ካብ 24 ናብ 30 በሪኹ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ሰልፊ Sverigedemokraterna ኣብ ታሪኹ ዝኸፍአ ዉጽኢት (-3,81) ከምዝግብ ከሎ፡ እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ብኣሉታ ዝተጸልወ ሰልፊ ኸኣ ናይታ ቀዳመይቲ ሚንስተር ሽወደን ንኽትከዉን ተስፋ ተነቢርላ ዘሎ Magdalena Andersson ሰልፊ Socialdemokraterna (-1.77%) እዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ፡ ካብቲ ከድምጽ ዝነበሮ ህዝቢ እቲ 84.8% ድምጹ ሂቡ። ካብዚ ዝተገብረ ድምጺ እቲ 49.5% ህዝቢ ሽወደን ናብ ጸጋማዉያን፡ እቲ 48.8% ከኣ ናብ የመናዉያን ኣድሚጹ።

መግስቲ ኣብ ምምስራት ክንደይ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል እኳ እንተዘይተገመተ፡ መራሒት ሰልፊ Socialdemokraterna ከም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ኮይና መንግስቲ ንምምስራት ግን ኣብ ቅድሚኣ ብዙሕ ስራሕን ብደሆታታን ከም ዘጋጥማ ተገሚቱ ኣሎ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቶን ክልተ ጸጋማዉያን መሻርኽታ ሰልፍታት (Vänsterpartiet ምስ Centerpartiet) ኣብ መንግስቲ ምምስራት ዘለዎም ገፊሕ ፖለቲካዊ ፍልልያት ምዃኑ እዩ።

ብዝኾነ ነቶም ደገፍቲ ጸጋማዉያን ሰልፍታታ ዝኾንኩም እንቋዕ ሓጎሰኩም!

ብኻልእ እዋናዊ ደሃይ ምርጫ ክሳብ ዝምለሰኩም............ሰላም !

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
17 መስከረም 2026

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዝተገብረ ምርጫ ብዝሒ መረጽቲ ከም ዘወሰኸ ተሓቢሩ !ሰምበት 13 ም3ስከረም ዝተዛዘመ ምርጫ ሽወደን፡ ምስ ናይ 2022 ዝነበረ ምርጫ ክወዳደር እንከሎ፡ብዝሒ ወሃብቲ ድምጺ...
17/09/2026

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዝተገብረ ምርጫ ብዝሒ መረጽቲ ከም ዘወሰኸ ተሓቢሩ !

ሰምበት 13 ም3ስከረም ዝተዛዘመ ምርጫ ሽወደን፡ ምስ ናይ 2022 ዝነበረ ምርጫ ክወዳደር እንከሎ፡ብዝሒ ወሃብቲ ድምጺ ብ 0.1% ከም ዝወሰኸ ተሓቢሩ። ዋላ እኳ 99.9% ድምጺ ተቖጺሩ እንተሃለወ፡ ጌና ኩሎም መዉሃቢ ድምጽታታ ተቖጺሮም ከይተወድኡ እንከለዉ እዩ፡ብዝሒ ተሳተፍቲ ምርጫ 84.3% በጺሑ ዘሎ። እዚ ድማ ምስ 2022 ክነጻጸር እንከሎ ብ 0.1 ሚእታዊት ወሰኸ ጌሩ ኣሎ።

ጄኒ ስታድ (ሓላፊት ፕረስ በዓል መዚ ምርጫ ሽወደን) ከም ዝሓበረቶ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዝሒ ተሳትፎ መረጽቲ ካብ 2022 ክወዳደር እንከሎ ዝለዓለ ቁጽሪ ኔሩ ክትብል ሓቢራ። ምቑጻር ድምጺ ገና ስለዘይተወድአ እቲ ቁጽሪ ቁሩብ ክውስኽ ከም ዝኽእል ዉን ገሊጻ ።

ኣቐዲሙ ቅድሚ ምርጫ ዝወጸ ግዝያዊ ኣሃዝን ግምትን ኣብዚ ዓመት 2026 ብዝሒ ተሳተፍቲ ምርጫ 80.4% ከም ዝኸዉን እዩ ተገሚቱ ኒሩ። እንተኮነ ግን ካብ ዝተገመቶ ንላ ዕሊ ዕቤት ከም ዘርኣየ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቅድሚ 4 ዓመት ኣብ 2022 ኣብ ሽወደን ዝተገብረ ምርጫ፡ካብቶም ናይ ምድማጽ መሰል ዝነበሮም ሰባት 84.2 % ድምጾም ሂቦም። ቅድሚ 8 ዓመት ኣብ ዓመተ 2018 ዝተገብረ ምርጫ ከኣ 87.2 % ድምጾም ሂቦም።

ብኻልእ እዋናዊ ደሃይ ምርጫ ክሳብ ዝምለሰኩም............ሰላም !
ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
17 መስከረም 2026

ዋዕሮታት መራሕቲ ሰልፊ ጸጋማዊ ብሎክ !
16/09/2026

ዋዕሮታት መራሕቲ ሰልፊ ጸጋማዊ ብሎክ !

ደሃይ ምርጫ !ሶሻልደሞክራተርና ንዝርርብን ድርድርን ይዳለዉ ኣለዉ !ሎሚ ረቡዕ በቲ ድሒሩ ክቑጸር ዝዋዓለ ድምጺ፡ኣብ ሞንጎ ጸጋማዉያንን የማንዉያንን ክግበር ዝዋዓለ ወናብር ምግምጣል ( ካብቲ...
16/09/2026

ደሃይ ምርጫ !

ሶሻልደሞክራተርና ንዝርርብን ድርድርን ይዳለዉ ኣለዉ !

ሎሚ ረቡዕ በቲ ድሒሩ ክቑጸር ዝዋዓለ ድምጺ፡ኣብ ሞንጎ ጸጋማዉያንን የማንዉያንን ክግበር ዝዋዓለ ወናብር ምግምጣል ( ካብቲ ዝቐነዮ 176 ብ 173 ናብ 175 ብ 174፡ ኣማስዩ ከኣ ናብቲ ዝነበሮ 176 ብ 173)፡ ረቡዕ ምሸት ድሕሪ እቲ SVT ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ጸጋማዉያን 176 ብ 173 ወናብር ከም ዝተዓወቱ ዳርጋ ርጉጽ ኮይኑ ኣሎ ።

በዚ መሰረት እቲ ን4 ዓመታት ንሽወደን ክመርሕ ዝጸንሐ መንግስቲ (Tidö Party) ብናይ 3 ወናብር ድምጺ ተመሪሑ ኣሎ ። እዚ ማለት ግን ዋላ እኳ ብዙሕ ለዉጢ ከምጽእ እንተዘይተገመተ ጌና ናይ 6 ዘይተቖጽሩ ነቑጣታት ተሪፎም ከም ዘለዉ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ክሳብ ሕጂ 6620 ካብቶም ዝነበሩ 6626 መምረጺ ነቑጣታት (99.9%) ተቖጺሮም ኣለዉ።

በዚ ናይ ሎሚ ምሸት ዉጺኢት ዝተሓጎሰት መራሒት ናይ Centerpartiet ሰልፊ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ‘‘ሽወደን ብናይ SD ሚኒስተራት ንኸይትምራሕ ኣድሚጻ’’ ክትብል ምስ SVT ዝገበረቶ ሓጺር ቃለመሕተት ሓቢራ።

ብዜካ እዚ ሰልፊ ሶሻልደሞክራተርና ፡ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ንዝርርብን ድርድርን ይዳለዉ ከም ዘለዉ ዉን ተሓቢሩ ኣሎ። ሰልፊ ሶሻልደሞክራተርና ወግዓዊ ብዘይኮነ መንገዲ፡ ምስቶም ጸጋማዉያን መሻርኽቱ ፓርትታት ርክብ ከም ዝጀመረ ዉን ማዕከን ዜና ኣፍቶንብላደት ጸብጺቡ።ኣብዚ እዋን ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ፓርትታት ርክብ ኣሎ፡ ክብል ሓደ ኣብ ውሽጢ ሶሻልደሞክራተርና ዘሎ ምንጪ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ገሊጹ።

መራሒት ሰንተርፓርቲ (C) ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ናይቲ ፓርቲ ዕላማ ኣብ ማእከል ፖለቲካ ሽወደን ድልዱል መሰረት ዘለዎ መንግስቲ ምቛም ምዃኑ ከም ዝቕጽል ገሊጻ። ውጽኢት ምርጫ ሕጂ እናነጸረ ምስ መጸ፡ እዚ ኣተሓሳስባ ዝያዳ ከም ዝደልደለ ንኤክስፕረሰን ገሊጻ።

ኣማስዩ ካብ ሰልፊ ቬንስተርፓርቲ (V) ዘወጸ መግለጺ ከም ዘነጽሮ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ወግዓዉን ብደረጃ ላዕለዎት ኣመራርሓ Vን Cን ዝተኻየደ ዝርርብ ከም ዘየለ ውዩ ዘነጽር። እንተኾነ ግን ሕጂ ክጅመር ተስፋ ንገብር ክትብል ምክትል መራሒት ሰልፊ V ኢዳ ጋብሪኤልሾን ገሊጻ።

ብሓዱሽን እዋናዉን ትሕዝቶ ክሳብ ዝምለሰኩም............ሰላም !

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
ረቡዕ 16 መስከረም 2026
ሰዓት 23:55

ደሃይ ምርጫ  !ብመሰረት ጸብጻብ ናይ SVT prognos ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ የማናዉያን ብሎክ 99.9% ከም ዝተሳዕሩ ዝሕብር ጸብጻብ ወጺኡ ኣሎ።  ብማግዳለና ኣንደርሰን ዝምራሕ ጸጋ...
16/09/2026

ደሃይ ምርጫ !

ብመሰረት ጸብጻብ ናይ SVT prognos ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ የማናዉያን ብሎክ 99.9% ከም ዝተሳዕሩ ዝሕብር ጸብጻብ ወጺኡ ኣሎ። ብማግዳለና ኣንደርሰን ዝምራሕ ጸጋማዊ ሰልፊ ከም ዝሰዓረ ዳርጋ ርጉጽ ኮይኑ ኣሎ።

ጸጋማዉያን ከም ዝተዓወቱ ግን ብወግዒ ኣይተሓበረን ዘሎ። Tidö Party ግን ክዕወቱ ከም ዘይኮኑ 99.9 % ርግጸኛ ብምዃን SVT ጸብጺቡ። ሙሉእ ትሕዝቶ ዝርዝርን ኣብ ናይ ኮመንት ቦታ ኣለኩም ኣንብብዎ።

ኩሉን ማዕከናትት ዜና ሽወደን ዉን ነዚ ናይ SVT prognos ምርኩስ ብምግባር ይጽብጽባ ኣለዋ። ሎሚ ምሸት ወይ ጸባሕ ሓሙስ ንጉሆ ተዓዋቲ ወገን ወግዓዊ ክኸውን እዩ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
16 መስከረም 2026

ደሃይ ምርጫ  !ብመሰረት ጸብጻብ ናይ SVT prognos ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ የማናዉያን 99.9% ከም ዝተሳዕሩ ዝሕብር መግለጺ ሕጂ ወጺኡ ኣሎ። ጸጋማዉያን ከም ዝተዓወቱ ግን ብወግዒ...
16/09/2026

ደሃይ ምርጫ !

ብመሰረት ጸብጻብ ናይ SVT prognos ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ የማናዉያን 99.9% ከም ዝተሳዕሩ ዝሕብር መግለጺ ሕጂ ወጺኡ ኣሎ። ጸጋማዉያን ከም ዝተዓወቱ ግን ብወግዒ ኣይተሓበረን ኣሎ። Tidö Party ግን ክዕወቱ ከም ዘይኮኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ዝርዝር ኣብዚ ታሕቲ ተወከሱ። ሎሚ ምሸት ወይ ጸባሕ ንጉሆ ወግዓዊ ክኸውን እዩ።

Hoppet är ute för Tidöpartierna att nå majoritet i riksdagsvalet 2026. Det enligt SVT:s Valprognos. – Sannolikheten för en vändning i det här läget är så låg att vi vågar slå fast att oppositionen får flest mandat i det här valet, säger SVT:s reporter Fouad Youcefi.

ደሃይ ምርጫ !ሎሚ ረቡዕ እቶም ዝተረፉ ድምጽታት ክቑጸሩ እዮም። ጽባሕ ሓሙስ ከኣ ናይ መወዳእታ ዉጺኢት ክሕበር እዩ።ጸጋማዉያን (S+V+MP+C) 49.6 % የማናዉያን (M+KD+SD+L) 46...
16/09/2026

ደሃይ ምርጫ !

ሎሚ ረቡዕ እቶም ዝተረፉ ድምጽታት ክቑጸሩ እዮም። ጽባሕ ሓሙስ ከኣ ናይ መወዳእታ ዉጺኢት ክሕበር እዩ።

ጸጋማዉያን (S+V+MP+C) 49.6 % የማናዉያን (M+KD+SD+L) 46% !
ኩሎ ም እቶም ደንጉዮም ዝበጽሑ ናይ ቅድመ-ምርጫ ድምጽታት፡ምስቶም ካብ ወጻኢ ደንጉዮም ዝመጹ ድምጽታት ሎሚ ረቡዕ ምቑጻር ክጅምር እዩ። ኣብ ፓርላማ ኣየናይ ብሎክ ከም ዝተዓወተ ግን ጽባሕ ሓሙስ ብወግዒ ክሕበር እዩ።

መጠን ቁጽሪ እቶም ድሒሮም ዝመጹ ድምጽታት ኣቐዲምና ብልክዕ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ኣስታታ 300,000 ድምጺ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምት ኣሎ ትብል ሓላፊት ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ምርጫ Anna Nyqvist።

ንሳ ብተወሳኺ፡ ዝተጻፈፈ ውጽኢት ምርጫ ፓርላማ ክሳብ ሓሙስ ግዜ ከም ዘድሊ ሓቢራ ኣላ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ጸጋማዉያንን የማናዉያን ዘሎ ፍልልይ ጸቢብ እዩ።ካብ ጠቕላላ ዘድመጹ 8 051 259 ህዝቢ ድሮ 95% ናይ 6 466 743 ድምጺ ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ብሎካት ዘሎ ብዝሒ ኣድመጽቲ 33 541 እዩ።ካብዞም ሎሚ ዝቑጸሩ ኣስታት 300 000 ድምጺ ዉጽኢት ተራእዩ ጽባሕ ሓሙስ ብወግዒ መን ከም ዝተዓወተ ክሕብር እዩ።

ሎሚ ምናልባት ለዉጢ ከጋጥም ይኽእል ዶ ?

እዚ ናይ ሎሚ ረቡዕ ዝቑጸር ድምጽታት ነቲ ጊዝያዊ ውጽኢት ምርጫ ናብ ጥቕሚ ናይ የማናዊ ብሎክ (Tidöpartierna) ክቕይሮ ይኽእል ዶ ኣይኽእልን ዝብል ሰፊሕ ትንተና ክዋሃብ ጸኒሑ ኣሎ።

እንተኾነ ግን ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣዝዩ ትሑት እዩ ክብል፡ ጉስታቭ ካሬስኮግ ሬህቢንደር ዝተባህለ መስራትን ናይ ሕሳብን ኤኮኖሚክስን ክኢላ ናይ ስታቲስቲካዊ ትንበያ ኩባንያ "ቬራ ፖሊሲ" (Vera Policy) ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ንቡር ስታቲስቲካዊ ኣሰራርሓ እንተደኣ ተኸቲሉ፡ የማናዊ ብሎክ (Tidöpartierna) ዝስዕረሉ ዕድል ምናልባት ሓደ ሚእታዊት (1%) ጥራይ እዩ። እንተኾነ ግን ነቲ ዘይሕሰብ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዕድል ምናልባት ሓሙሽተ ሚእታዊት (5%) ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት (Aftonbladet)።

ብሓደሽቲ ምዕባለታት ክሳብ ደጊምና ንራኸብ ሰላም መዓልቲ !

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
16 መስከረም 2026

ደሃይ ምርጫ !እዚ ጽሑፍ ንዉሕ ስለ ዝበለ ተጸሚምኩም ኣንብብዎ !ሰምበት 13 መስከረም 2026 ዝተዛዘመ ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን ናይ መወዳእታ ዉጽኢት ጽባሕ ረቡዕ ወይ ሓሙስ ብወግዒ ዝሕበረሉ ...
15/09/2026

ደሃይ ምርጫ !

እዚ ጽሑፍ ንዉሕ ስለ ዝበለ ተጸሚምኩም ኣንብብዎ !

ሰምበት 13 መስከረም 2026 ዝተዛዘመ ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን ናይ መወዳእታ ዉጽኢት ጽባሕ ረቡዕ ወይ ሓሙስ ብወግዒ ዝሕበረሉ ግዜ እኳ ዋላ እንተኾነ፡ በዚ ክሳብ ሕጂ ተቖጺሩ ዘሎ ድምጺ ብማግዳለና ኣንደርሶን ዝምራሕ ጸጋማዊ ሰልፊ ካብ 349 ወናብር 176 ብ 173 ይመርሕ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንተኻየደ ምርጫ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ሽወደን 8 051 259 ኣድሚጹ። ክሳብ ሕጂ ናይቶም 6 466 743 ሰባት (95%) ተቖጺሩ ኣሎ። ጌና ካብ 270,000 – 300,000 ዝኾኑ ድምጽታት ዘይተቖጽሩ ኣለዉ።

በዚ ክሳብ ሕጂ ተቖጺሩ ዘሎ ድምጺ ሰልፊ Socialdemokraterna ብቐዳማይ ደረጃ 28,1 % ብምምዝጋብ ዝዓበየ ሰልፊ ሽወደን ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ። እንተኾነ ግን ሰልፊ Socialdemokraterna ኣብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ፡ ኣብ ታሪኹ ኣሉታዊ ዉጺኢት ብምምዝጋብ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ 2022 ዘመዝገቦ 30,3 % ሕጂ ብ -2.3% ንድሕሪት ኣንቆልቊሉ ኣሎ።

ሰልፊ Moderaterna ዉን 19.9% ዉጺኢት ብምምዝጋብ ካብቲ ቅድሚ 4 ዓመት ዝተገብረ ምርጫ ናይ 0.8% ዕቤት ድሕሪ ምምዝጋብ ካብ 3ይ ደረጃ ናብ 2 ደረጃ በሪኹ ድሕሪ Socialdemokraterna ዝዓበየ ሰልፊ ኣብ ሽወደን ኮይኑ ኣሎ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ Sverigedemokraterna (SD) ዝተራእየ ዉጺኢት ከኣ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ ግዜ ብ -3 % ንድሕሪት ብምምላስ ካብቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ናይ 2ይ ደረጃ ናብ 3ይ ደረጃ ብምዉራዱ እዩ። ሰልፊ Sverigedemokraterna ካብ ኩሎም ሰልፍታት ብኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ንድሕሪት ዘንቆልቆለ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ዝያዳ ዕቤት ዘርኣየ ፓርቲ ሰልፊ Vänsterpartiet ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። 8.3 % ድምጺ ድሕሪ ምርካብ ኣብ ፓርላማ ካብ ዝነበሮ ናይ 24 ወንበር ናብ 29 ድሕሪ ምዉሳኽ ናይ 5 ወናብር ዕቤት ኣርእዩ ኣሎ።

ሰልፍታት Miljöpartiet 6.1 % ፡ Centerpartiet 7.1%፡ Kristdemokraterna 5.4 % ፡ Liberalerna 5.4 % ድምጺ ምርካብ ካብቲ ናይ ቅድሚ 4 ዓመት ዝነበረ ምርጫ ዝያዳ ዕቤት ኣርእዮም ኣለዉ።

ዋላ እኳ 100% ርጉጽ እንተዘይኮነ፡ በዚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ዉጽኢት እቲ ብማግዳለና ኣንደርሶን ዝምራሕ ጸጋማዊ ሰልፊ ዓወቱ ዳርጋ ዘረጋገጸ ይመስል። ተመራማሪ ሕሳብን መስራቲ Valprognos.seን ዝኾነ፡ Gustav Karreskog Rehbinder ን TV4 ኣብ ዝሃቦ መብብርሂ ዉን፡ "ዘይተጸበናዮ ነገር እንተዘይኣጋጢሙ፡ እቲ ጸጋማዊ ሰልፊ ዝተዓወተ ይመስል" ይብል።

እቲ ናይ መወዳእታ ሓደ መንበር ጸጋማዊ ሰልፊ 176 ወይ 175 ወንበር ክረኽቡ እንተኾይኖም፣ ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ እዩ ክንብል ንኽእል። እቲ ወንበር ኣብ እዋን ምቑጻር ድምጺ ካብ ሓደ ፓርቲ ናብ ካልእ ክቀያየር ጸኒሑ እዩ:: ይኹን እምበር ያማናዊ ሰልፊ (Tidö) ተወሳኺ ክልተ መንበር ረኺቡ ክዕወት ክሳብ ዝበጽሕ ለውጢ ክፍጠር ተኽእሎኡ ውሑድ እዩ።” ይብል ናይ ሒሳብ ምሁር ጉስታቭ ካረስኮግ ሬህቢንደር።

እቲ ኣዝዩ ሕልኽላኽን ብድሆታትን ናይዚ ምርጫ ግን መንግስቲ ብኸመይ ይመስረት ዝብል ዓቢ ዘይተመልሰ ሕቶ እዩ። ከምቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ዝተሓላለኸ ነዊሕን ኣዝዩ ኣጸጋምን ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት። ክሳብ ሕጂ Magdalena Andersson ይኹን Ulf Kristersson ንነብሶም ከም ተዓወትቲ ወይ ተሳዓርቲ ገይሮም ኣይገለጹን ዘለዉ።

መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ነዊሕን ኣጸጋምን ክኸውን ይኽእል ክብል FREDRIK BJÖRKMAN ዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካ ኣብ TV4 ኣብ ዝገበሮ ትንታነ ገሊጹ ኣሎ። ሕጹያት ቀዳማይ ሚኒስትር Magdalena Anderssonን Ulf Kristerssonን፣ ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኩነታት እዮም ናይ መንግስቲ ስልጣን ንምሓዝ ዝፍትኑ ዘለዉ። መንግስቲ ክምስርቱን ከጽንዕዎን እንተዘይክኢሎም ግን ዋላ እኳ ትሑት ተኽእሎ ይሃሉ ተወሳኺ ምርጫ ክግበር ይኽእል።

ብመሰረት ትንታነ FREDRIK BJÖRKMAN ንክልቲኦም ሕጹያት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቅድሚኦም ዝርከቡ ገለ ክህልዉ ዝኽእሉ ኣማራጺታት እዞም ዝስዕቡ እዮም። ኩሎም ግን ዓበይቲ ሕቶታትን ብድሆታትን ዘለዎም።

1. S, MPን Cን – ብደገፍ V

እዚ ቀንዲ ውጥን Socialdemokraterna (S) እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ Centerpartiet (C)ን Vänsterpartiet (V)ን ዘሎ ቀይሕ መስመር ገና ጸኒዑ ስለዘሎ፡ ንምትግባሩ ኣጸጋሚ ክኸዉን እዩ።

Socialdemokraterna ሰፊሕ ፖለቲካዊ ምትሕብባር ከምዝደሊ ገሊጹ ኣሎ። እንተኾነ እቲ ምትሕብባር ክሳብ Vänsterpartiet ክበጽሕ ከምዘይደሊ ይርአ። ኣብ ውሽጢ S፡ V ኣብ መንግስቲ ከይኣቱ ዝደልዩ ኣለዉ። Centerpartiet ድማ V ኣብ መንግስቲ ክኣቱ ምፍቃድ ቀይሕ መስመሩ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።

ስለዚ S፡ V ንገለ ናይ ፖሊሲ ጉዳያት ተጽዕኖ ክህልዎ ብምፍቃድ ማለት ኣብ ምምስራት መንግስቲ ደገፉ ንምርካብ ክፍትን ይኽእል። ካብ V ዝመጹ ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ መንግስቲ ናይ ምውህሃድ ቤት ጽሕፈት ክሳተፉ ምፍቃድ እውን ክፋል ናይቲ ስምምዕ ክኸውን ይኽእል። ኣመራርሓ Vänsterpartiet ግን፡ S ስሩዕ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ ተወሳኺ ምርጫ ከይግበር ስለዝደሊ፡ ኣብ መወዳእታ ንጠለባቶም ክቕበል እዩ ኢሎም ይጽበዩ።

2. Sን MPን – ብደገፍ Cን Vን

ኣብዚ ኣማራጺ ክልቲኦም ኣብ ወሰናት ናይቲ ቀይሕ-ቀጠልያ ፖለቲካዊ ኣማራጺ ዝርከቡ Cን Vን ካብ መንግስቲ ወጻኢ ይተርፉ። እንተኾነ ግን ባጀት መንግስቲ Sን MPን ይድግፉ። እዚ ኣብ ፓርላማ ውሑድ ደገፍ ዘለዎ ኣዝዩ ድኹም መንግስቲ ክኸውን ይኽእል። ብዙሓት እማመታት መንግስቲ ክንጸጉ ይኽእሉ። ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሚኒስተራት ናይ ዘይምትእምማን ድምጺ ክቐርብ ዝኽእል ቀጻሊ ስግኣት እውን ክህሉ ይኽእል።

እዚ ኣማራጺ C ንV ኣብ መንግስቲ ንኸይኣቱ ዘቐመጦ ቀይሕ መስመር ይሕሉ። ግን V ባዕሉ ኣብ መንግስቲ ክሳተፍ ከምዝደሊ ገሊጹ እዩ። S ዘቕርቦ ናይ ፖሊሲ ስምምዓት ንኽልቲኦም Cን Vን ንምዕጋብ ክፍትን እዩ። እንተኾነ፣ Cን Vን ብፍላይ ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ስለዘለዎም፡ እዚ ቀሊል ዕማም ኣይክኸውንን እዩ።

3. S ብደገፍ MP፡C፡ Vን KDን

Socialdemokraterna በይኑ ናይ ውሑዳን መንግስቲ የቕውም። ኣብ ዝተመርጹ ፖለቲካዊ ጉዳያት ድማ ካብ MP፡ C፡ Vን KDን ደገፍ ይረክብ። ዓበይቲ ለውጥታት ንምሕላፍ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል።

S ካብ መንግስቲ ወጻኢ ብሰፊሕ ምትሕብባር ገለ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክፈትሕ ከምዝኽእል ገሊጹ ኣሎ። ካብዚኦም ጉዳያት ጸዓት፡ መሰረተ-ልምዓት፡ ምምሕያሽ ስርዓት ግብሪን ምቅላስ ውዱብ ገበንን ይርከብዎም።

KD ምናልባት ኣብ ጉዳይ ጸዓት ንምትሕብባር ፍቓደኛ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ንላዕሊ ግን ካብ Ebba Busch ዝምራሕ KD ሰፊሕ ምትሕብባር ክህሉ ብዙሕ ትጽቢት የለን። MPን Vን ድማ ኣብ ዝቕጽል መንግስቲ ክሳተፉ ከምዝደልዩ ገሊጾም እዮም። Ebba Busch ምስ Vänsterpartiet ዝኾነ ይኹን ምትሕብባር ክትገብር ድማ ኣዝዩ ዘይሕሰብ እዩ።

4. M፡KDን Lን – ብደገፍ SDን Cን
Tidö ፓርትታት ብበይኖም ኣብ ፓርላማ ኣብዝሓ እንተዘይረኺቦም፡ እዚ ናይ Ulf Kristersson ካልኣይ ኣማራጺ ስልጣን እዩ። መራሒ Moderaterna፡ ኣብ ፓርላማ “ዘይሶሻሊስታዊ ኣብዝሓ” ክህሉ ከምዝኽእል ይዛረብ። ኣብዚ ድማ ንTidö ፓርትታት ምስ Centerpartiet ይቖጽሮም።

ዉጥን ናይ Ulf Kristersson ከም ዘነጽሮ፡ Centerpartiet ብፍላይ ብቁጠባዊ ፖሊሲን ካልእ ፖሊሲን ብምስሓብ ናብ ምትሕብባር ከእትዎ እዩ። Moderaterna፡ C ንኸይድግፍ ዝኸፍሎ ፖለቲካዊ ዋጋ እንተወሲኹ፡ ኣብ ኣመራርሓ C ዝፍጠር ጸቕጢ እቲ ንምትሕብባር ምስ SD ዘሎ ቀይሕ መስመር ክድምሰስ ክገብሮ ተስፋ ይገብር።

እንተኾነ ግን Ulf Kristersson ንJimmie Åkessonን SDን ናይ ሚኒስትር መዝነት ከምዝህቦም ቃል ኣትዩ እዩ። Åkesson ድማ SD ኣብ መንግስቲ እንተዘይኣትዩ፡ ኣብ ተቓውሞ ከምዝኸውን ገሊጹ እዩ። ስለዚ SD ኣብ መንግስቲ ከይኣተወ ነቲ መንግስቲ ጥራይ ካብ ደገ ምድጋፍ ብመሰረት ኣረኣእያ Åkesson ኣማራጺ ኣይኮነን።

5. Tidö መንግስቲ – ብደገፍ C

እዚ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣማራጺ ዝመሳሰል እዩ፣ እንተኾነ ግን SD ብቐጥታ ኣብ መንግስቲ ይኣቱ። Ulf Kristersson ንSD ዝኣተዎ ቃል ብምፍጻም፡ ንSD ናይ ሚኒስትር መዝነታት ይህብ። ብተመሳሳሊ ንCenterpartiet፡ እቲ ንምትሕብባር ምስ SD ዘለዎ ቀይሕ መስመር ክገድፍ ከእምኖ ይፍትን። እዚ ግን ቀሊል ዕማም ኣይኮነን። Kristersson፡ C ክነጽጎ ኣጸጋሚ ዝኾነ ባጀትን ፖሊሲታትን ብምቕራብ፡ Centerpartiet ንደገፍ ክስሕብ ክፍትን ይኽእል።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
15 መስከረም 2026

ኣብዚ ምርጫ ሽወደን መን እዩ ተዓዊቱ ?መንግስቲ ንምምስራት ዘሎ ብድሆታት !
14/09/2026

ኣብዚ ምርጫ ሽወደን መን እዩ ተዓዊቱ ?

መንግስቲ ንምምስራት ዘሎ ብድሆታት !

መንግስቲ ምምስራት ዘሎ ብድሆታት !🎙️ New to streaming or looking to level u...

Adress

Ångermannagatan 134
Stockholm
16265VÄLLINGBY

Öppettider

Måndag 09:00 - 15:00
Tisdag 09:00 - 15:00
Onsdag 09:00 - 15:00
Torsdag 09:00 - 15:00
Fredag 09:00 - 12:00

Telefon

+46762247121

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Delina Consulting AB postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Affären

Skicka ett meddelande till Delina Consulting AB:

Genvägar

Dela